1. መንፈሳዊ ምሕዳስ
ከም ናብ መሠረትካ ምምላስ
.....እዚ
ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቃል
ኣምላኽ ከም ዜረድኣና፥
እቲ ሓቀይና ለውጢ ሕይወት
ኪመጽእ ዚኽእል፥ ናብ
መሠረትካ ብምምላስ እዩ።
ሓቀይና ምሕዳስ’ውን ልክዕ
ከምኡ ናብቲ ገዲፍካዮ
ኬድካ ዝነበርካ ኣምላኽ
ብንስሓ ብምምላስ እዩ
ዚጅምር። ቅድሚ ኣብ ዝለዓለ
ደረጃ ቅድስና ምብጻሕ፥
ናይ ሕይወትካ ኣቕጣጫ
ኣነጺርካ ምፍላጥን ናብቲ
ሓቀይና መገድን ምእታው
የድሊ። ንሕይወትካ ናብቲ
ቅኑዕ መገዲ ኬእትዋ ዚኽእል
ድማ ንስሓ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ
እውን እዩ ቅዱስ ጳውሎስ
ከምዚ ዚስዕብ ዝጸሓፈ፡-
“እቲ ሠናይን ባህ ዜብልን
ፍጹምን ዝኮነ ፍቓድ ኣምላኽ
እንታይ ምዃኑ ምእንቲ
መርሚርኩም ክትፈልጡ፥
ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ
እምበር፥ ነዛ ዓለም እዚኣ
ኣይትምሰልዋ።” (ሮሜ 12፡2)
ናይ ኣእምሮ ምሕዳስን
ለውጥን ድማ ብዘይ ንስሓ
ኣይርከብን እዩ። ብሓቀይና
ንስሓ ዚጅምር ምሕዳስን
ለውጥን ልቢ (ኣእምሮ) ንዓለም
ከም ዘይትመስላን ብኣንጻሩውን
ንኽርስቶስ ከም እትመስሎን
ይገብረካ። ብሓጺሩ ኣቕጣጫኻ
ከም እትቕይር ይገብረካን
ናብ መሠረትካ (ብኣበሃህላ
ነቢይ ኢሳይያስ፥ ናብ
ዝተፈንቀልካሉ ከውሒ)
ከም እትምለስን ይገብረካን።
እምበኣር ንስሓ ማለት
ናብ መሠረትካ ዝኾነ ፈጣሪኻ
ምምላስ ማለት እዩ። መንፈሳዊ
ምሕዳስውን ወትሩ ካብኡ
እዩ ዚጅምር።
2. መንፈሳዊ
ምሕዳስ ሥራሕ መንፈስ
ቅዱስ እዩ
መንፈሳዊ ምሕዳስ
ሰብ ብኽእለቱ ዚገብሮ
ሰብኣዊ ተግባር ኣይኮነን።
ብዘይ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ
ኪኸውን ዘይከኣል ተግባር
እዩ። ካብ መፈለምታኡ
ክሳብ መፈጸምታኡ መንፈስ
ቅዱስ እንተ ዘይረድኦ
ሰብ ብናቱ ኃይልን ጥበብን
ጥራይ ኺገብሮ ዚኽእሎ
ሥራሕ ኣይኮነን፡-
ንምንሳሕ
ጸጋ መንፈስ ቅዱስ የድልየና።
“ንሱ (መንፈስ ቅዱስ) ምስ
መጸ ኸኣ ንዓለም ብዛዕባ
ኃጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን
ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ
እዩ።” (ዮሓ 16፡8)
ሓቀይና ምሕዳስ
ኪህልወና፥ መንፈስ ቅዱስ
የድልየና። “ስለዚ ተስፋ
ኣይንቐብጽን ኢና፥ ብግዳም
እኳ እንተ ማህመንና ብውሽጥናስ
ኣብ ጸጽባሕ ኢና እንሕደስ።”
(2ቆሮ 4፡16)
ብጸሎት ኽንዓቢ፥
መንፈስ ቅዱስ የድልየና።
“መንፈስ ቅዱስ ድማ ንድኻምና
ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና
ኽንጽሊ ከም ዚግብኣና
ኣይንፈልጥን ኢና፥ ግና
እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ
ብዘይንገር እህህታ ዚጽልየልና።
… መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ
እቶም ቅዱሳን ዚጽልዮ
ኸም ፍቕድ ኣምላኽ ገይሩ
እዩ።” (ሮሜ 8፡26, 28)
ምስ
እግዚኣብሔር ኣቦን ወልድን
ዘሎና ርክብ ብመንፈስ
ቅዱስ ኣቢሉ እዩ ዚሠምር።
“ነቲ ብእኡ ጌርና ‘ኣባ፥
ኣቦ’ ኢልና እንጽውዓሉ
መንፈስ ውሉድነት ኢኹም
ዝተቐበልኩም እምበር፥
ናብ ፍርሃት ክትምለሱ
መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን።
ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና
ኸኣ እቲ መንፈስ ኣምላኽ
ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና
ኾይኑ ዚምስክር። እምበኣር
ውሉድ ካብ ኮንና፥ ወረስቲ
ድማ ኢና፤ ንኣምላኽ ወረስቱ
ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና።”
(ሮሜ 8፡15-17) እቲ ብንስሓ ዝጀመረ
ናይ ምሕዳስ ጕዕዞ ፍረ
መንፈስ ቅዱስ ብምፍራይ
ኪዛዘም ይግብኦ። ብዘይ
መንፈስ ቅዱስ ፍረ ቅድስና
ምፍራይ ኣይከኣልን።
“ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና
ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥
ትዕግሥቲ፥ ልግሲ፥ ሕያውነት፥
እሙን ምዃን፥ ለውሃት፥
ርእስኻ ምግታእ እዩ።”
(ገላትያ 5፡22-23)
3. መንፈሳዊ
ምሕዳስ ብመንጽር እተን
ሠለስተ ደረጃታት መንፈሳዊ
ሕይወት
ኣብ ጽሑፋትን ትምህርትታትን
ቀዳሞት መንፈሳውያን ኣበው
ቤተ ክርስቲያን ከም እንረኽቦ፥
መንፈሳዊ ጕዕዞ ሠለስተ
ዓበይቲ ደረጃታት ኪህልዎ
ይኽእል። ንሳቶም ከኣ፡- መገዲ ንስሓ
(Purgative Way) ኣብዚ ደረጃ’ዚ ዘላ
ነፍሲ ካብቲ ናይ ቀደም
መገዲ ጥፍኣት ብጸጋ እግዚኣብሔር
ናብቲ ቅኑዕ መገዲ ትምለስን፥
ነቲ ኣረጊት መንነታ ክትቅንጥጥ
ትጋደልን። ብዙኅ ንስሓን
ተጋድሎን ጾምን ሕይወትካ
ምልዋጥን ዚርኣየሉ ደረጃ
መንፈሳውነት ተንጸባርቕ።
ናይ ኣምላኽ ነገራትን
መንፈሳዊ ጉዳያትን ቀደም
ትርጉም ዘይህባ ዝነበረት
ነፍሲ ጉዳይ መንፈሳውነት
ቀዳምነት እንረኸበ ይኸይድን፥
ቅርበትን መቐረትን እግዚኣብሔር
ኪስምዓ ይጅምርን። መበገሲ
እዚ ዅሉ ለውጢ ጸጋን ፍቕሪ
ኣምላኽን ክነሱ፥ ብወገን
እታ ነፍሲ ግና ንኣምላኽ
ንምስዓብ ቝርጺ ውሳኔን
ድላይን ብጋህዲ ይርአ።
መገዲ ብርሃን (Illuminative Way) ኣብዚ
ደረጃ’ዚ ዝበጽሐት ነፍሲ
ብመገዲ ንስሓን ለውጥን
ኣቢላ ንዝረኸበቶ ሓድሽን
ብርሃናውን ክርስቲያናዊ
ጕዕዞ እተደልድለሉ ፍሉይ
ብርሃን ኣምላኽን ሠናይ
ሕሹኽታታት ኣምላኽን ትለማመድ።
ምስ ኣምላኽ ዘለዋ ፍቕርን
ናይ ጸሎት ሕይወታን ኃያሎ
ለውጥታትን ዕቤትን የርኢ።
ኣብዚ ደረጃ መንፈሳውነት
እትርከብ ነፍሲ፥ ጥዑም
ሕላዌን ድምጺ ኣምላኽን
ብዚያዳ እተስተማቕረሉን፣
ጸሎት ኣዝዩ መሳጢን ዘሕጕስን
ተግባር ነፍሲ ኾይኑ ዚስምዓን
ደረጃ ሕይወት መንፈሳዊ
ጕዕዞን እዩ። መገዲ ኅብረት
(Unitive Way) ኣብዚ ደረጃ’ዚ
ዝበጽሐት ነፍሲ ኣብ ተመስጦ
ኣምላኽ ዝጠሓለትን፥ ካብ
ብዙኅ ኣፍኣዊ ጸሎትን
ተግባራትን ንላዕሊ ራእይን
ድምጽን ኣምላኽ ብቐጻሊ
እትለማመደሉ፥ ፍጹም ዝኾነ
ኅብረት (ሓድነት) ምስ ኣምላኽ
ተዳብር። ብፍቕሪ ኣምላኽ
ፍጹም እትመከሉ ኣዝዩ
ጥልቒ ዝኾነ ናይ ቅድስና
ደረጃ እዩ። ካብ ቀዳማይ
ክሳዕ ሣልሳይ ተዘርዚረን
ዘለዋ ደረጃታት መንፈሳዊ
ሕይወት ኵለን ብጸጋ ኣምላኽን
ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስን
እንተዘይኮይኑ፥ ብናትና
ብሕታዊ ጻዕሪ ጥራይ ዝብጽሓ
ኣይኮናን። ባዕሉ ጐይታ
ኢየሱስ “እቲ ኣባይ ዚነብር
ኣነውን ኣብኡ፥ ንሱ እዩ
ብዙኅ ፍረ ዚፈሪ፤ ምኽንያቱ
ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ
ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሉና
ኣሎ (ዮሓ 15፡5)። ፍረና ፍረ
ቅድስና እዩ። ኣብኡ ንኽንበጽሕ
ድማ ካብ መገዲ ንስሓ ጀሚርና፥
ብብርሃናዊ መገዲ ክርስቶስ
ኃሊፍና፥ ናብቲ ምልኣት
ኣምላኽ እንረኽበሉን፥
ምስ ኣምላኽና ፍጹም ኅብረት
እንገብረሉን ዝዓበየ ደረጃ
ክርስቲያናዊ ሕይወት ክንበጽሕ
ተጸዊዕና ኢና። ናይዚ
ጕዕዞ’ዚ ጀማርን ፈጻሚኡን
ጐይታ ኢየሱስ ባዕሉ እዩ
(ዕብ 12፡2 ርአ)፤ ኣባናውን
ነዚ ዕዮ’ዚ ብኃይሊ መንፈስ
ቅዱስ ገይሩ እዩ ዚዓዮ።
እምበኣር ሓቀይና ምሕዳስን
ለውጢ ሕይወትን ክንምኰር
እንተድኣ ደሊና፥ ንመንፈስ
ቅዱስ ኽንጽውዖ የድልየና።
ንሱ ናብ ሕይወትና ምስ
ዚመጽእ፥ ካብ ንስሓ ኣጀሚሩ
በብደረጅኡ እናዕበየ ፍጹም
ንክርስቶስ ናብ ምምሳል
የሰጋግረና። እቲ ምእንቲ
ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ ኣባና
ድሌትን ግብርን ዚገብር
ኣምላኽና (ፊሊጲ 2፡12 ርአ)
ዘልዓለማዊ ክብርን ምስጋናን
ይብጽሓዮ። ኣሜን።
ኵሉ ኽብሪ ንቅድስት ሥላሴ
ሓደ ኣምላኽ፥ ኣብ፥ ወልድ፥
መንፈስ ቅዱስ ይዅን።
ኣሜን።