ሽዑ እግዚኣብሔር
ኪሰምዕ ኢዩ
“እዚ
ብስመይ እተሰመ ሕዝበይ
ከዓ ትሕት እንተበለ ፡
እንተለመነ ፡ ገጸይ’ውን
እንተደለየ ፤ ካብ ክፉእ
መገዱ እንተተመልሰ ሽዑ
እንካብ ሰማይ ክሰምዕ
ኢየ ፡ ኃጢያቶም ከዓ ይቕረ
ክብለሎም ምድሮም’ውን
ክፍውሰሎም እየ” (፪ ዜና
መዋዕል ፯፡፲፬)።
እግዚኣብሔር
መኣዝ ኢዩ ንጸሎትና ዚሰምዕ?
መኣዝ
ኢዩ ንኃጢኣትና ዚኃድግ?
መኣዝ
ኢዩ ንሃገርና ዚፍዉሰልና?
መልሱ
ኣብዛ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ
ዘላ ጥቕሲ ኣሎ። ነንብባ
፡ ነጽንዓያ ፡ ካብኣ ክንደይ
ርሒቕና ከምዘሎና’ዉን
ንርአ።
እዚ ብስመይ
እተሰመ ሕዝበይ ፡
“እግዚኣብሔር
ይጌስጽ ለዘኣፍቐረ” (ዕብ-
፲፪፡፮)። እግዚኣብሔር
ምስ መን ይዛረብ? ንመን
ይግስጽ? ዉዒሉ ኃዲሩኸ
በርኸቱ ናብ መን አፍስስ?
ብጊዜ ኦሪት ንእግዚኣብሔር
ዚገድስዎ ዝነበሩ ሕዝቢ
እስራኤል ኢዮም ፡ ሎሚ
ዘመን ከዓ ንሕና ሕዝብ
ክርስቲያን ኢና። ንሕና
ነቶም ብስሙ ዝኣመና ንሕና
እቶም እግዚኣብሔር ባዕሉ
“ሕዝበይ” ኢሉ ዝጽውዓና
ኢና። ክርስቲያናዊ ሥነ-ሥርዓት
ወንጌላዊ ሕጊ ኣብ ዘይኣምኑን
ኣብ ከሓድትን ምድላይ
ብንግሁኡ ምግጋይ ጥራይ
እዩ ዘስዕብ። ንእግዚኣብሔር
መኽራኽርቱ ንሕና ኣመንቲ
ኢና ተግሳጽ ኮነ በረኸት
ብኣና እዩ ዝጅምር እቲ
ዝተረፈ ሕዝቢ ካባና እዩ
ዚመሃር እግዚኣብሔር ዝተዛርቦ
ኪሰምዕ ዚኽእል ሕዝቢ
ግን ንሕና እቶም ብስም
እግዚኣብሔር እንስመ ሕዝቢ
ኢና።
እሞኸ
እንታይ ይብለና ኣሎ? እነሆ
እምበኣር ጽን ንበል ከመይ
እግዚኣብሔር ይዛረብ ኣሎ።
እዚ ብስመይ
እተሰመ ሕዝበይ “ ትሕት
እንተበለ ”
ብመሠርቱ ሰብ
ካብ እግዚኣብሔር ኪርሕቕ
ዝተረኽበ ብእንቢነቱን
እዩ። መርሓቒኡ ትዕቢት
ካብ ኮነስ መምለሲኡ ትሕትና
ኢዩ ኪኸዉን ዘሎዎ። ምስ
እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዝራቡ
ኪትሕት ኣለዎ። ቀዳሞት
ተሎጋዊያን ንትዕቢት ኣብ
ርእሲ እተን ፯ተ ኣርእስቲ
ኃጥያት ዘግበሮም ብምስትዉዓል
ኢዩ። ሰይጣን’ዉን እንተኾነ
ብትዕቢቱ ኢዩ ካብ መልኣከ
ብርሃን ናብ መልኣከ ጽልማት
ዝተለወጠ ኣብ ሕይወትና’ዉን
እንተስተብሃልና ናይ’ቲ
እንገብሮ ዝኾነ ዓይነት
ዕልወት መፈለምታ ናይ
መባእታ ትዕቢት ኢያ።
ትዕቢት ማለት
“ ኣነ “ ብዝብል መንትፈስ
ምምራሕ ማለት ኢዩ፤ እዚ
ከዓ ንዝደኃኑ፤ ንዘይደኃኑ፤
ብዘይኣፈላላይ ኬበላሹ
ዚኽእል ናይ ኅብረተሰብ
መንሽሮ ኢዩ። ከም ኣዳም፡
ከም ሳጥናኤል፡ ከምቶም
ብግዜ ጎ-ኢ-ክ ዝነበር ኣይሁድ
ክንደይ ጊዜ እንዲና ንሥልጣን
እግዚኣብሔር ተኸራኺርናዮ፤
ኣነ ዝበልዎ ናዓይ ብዝጥዕመኒ
መን ከማይ ወዲ መን ድየ፤
ወዘተ - እናበልና ንርእስና
ክንደይ ጊዜ ኣምሊኽና
ኢና። ዓወት ሓደ ክርስቲያን
ንትዕቢት ኣብ ምሽናፍ
ኢያ ትርከብ። “ ትሕት እንተበሉ
“ ዚብል ናይ እግዚኣብሔር
ኣዘራርባ ተገዲድካ ዘይኮነስ
ባዕላኻ ንባዕልኻ ትሕት
ናይ ምባል ኃይሊ የመልክት።
እግዚኣብሔር ከምበርክኸና
ትኽእል እዩ፤ ባዕልና፡
ባዕልና ብፍታውና ክንትሕት
እንክንርከብ ግን ሕልፊ
ዓስቢ ኣለዎ።
ትዕቢተይና
ዲኻ? ሎሚ ንትዕቢትካ ብትሕትና
እትጭልቐሉ መገዲ ርኸብ፤
ክትሕት ጀምር። ከመይ
ትዕቢት ሑሱም ነገር እዩ፤
ካብ ዂሉ ግን ነቲ መስኖ
ናይ ጽጋታት ናይ እግዚኣብሔር
ስለዝዓጹ እቲ ዓቢ ጥፍኣቱ
ኣብዚ እዩ ዘሎ።
“ ደጊም
ብጊዜኡ ልዕል ከብለኩም
ኣብ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ
ትሕት በሉ ንሱ ይኃሊየርኩም
እዩ’ሞ ኣብኡ ኣዉድቕዎ” (፩ ጴጥ ፭፡፮)።
ንጸሊ፥
ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኽ
ክሳብ ክንደይ’ሞ ነት ጸጋታትካ
ብቲዕቢተይ ዘይዓጸኹዎ!
እንሆ እምበኣርከስ ሎሚ
ናብ መገዲ ትሕትና ከምዘቕንዕ
ግበረኒ ነታ መጀመሪያ
ስጉምቲ ንኽወስድ’ውን
ሓግዘኒ፥ ንምቕጻሉ ኸዓ
ሓግዘኒ ብኢየሱስ ክርስቶስ
ስም። ኣሜን።
እዚ ብስመይ
እተሰመ ሕዝበይ “ እንተለመነ
” – “ እንተጸለየ “
እግርና ብዙኅ
ጊዜ ንቤተክርስትያን ይመላለሳ
እየን፡ ቅዳሴ ንሰምዕ
ዳዊት ንደግም፡ መቑጸርሪኣ
ንደግም፡ ማኅሌት ንቐዉም።
እንተኾነ ኣገባብራ ጸሎትና
ምርኣይ የድሊ፡ ጸሎትና
ምንታይስ ዝተሥረተ እዩ?
ነዚ’ዉንዶ “ንዓይ” ብዚብል
መንፈስ ኢና ነካይዶ? ክንደይ
ኢዮም እቶም ካባና ንኺጽልዩ
ድኂሮም ዚድቅሱ! እንታዋይ
ኢዩ’ኽ እቲ ንኺጽሊ
ብለይቲ ዝቲንኅእ? ብዙኃት
ክርስቲያን “ከድሊየኒ
ከሎ ይጽሊ” ብዝብል ኣይ
ዉዑይ ኣይዝሑል ዝኾነ
ኣገባብራ ኂዞም ይካይዱ።
ጸሎት ማልት
ግን “ምስ እግዚኣሔር ምትኅብባር”
ማለት እዩ። ነቲ እግዚኣብሔር
ነቲ ኃሊንዎን መዲቡዎን ዘሎጸጋ
ብረኸት ንሕና ከም ኣሕረስቲ
ምስ እግዚኣብሔር ብምቲኅብባር
ኣብ ሥነ ፍጥረት ከምዚዓስል
ንግበሮ። ጸሎት ማለት
ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ፍቓድና
ምሥማር ዘይኮነስ ንፍቓድና
ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ምሥማር
ማለት እዩ። ከመይ፥ ይመስለና
ደኣምበር ካብ ናትና ናቱ
ትሕሸና። ጸሎት ምስ እግዚኣብሔር ሓድነት ምፍጣር
ምስኡ ሓንቲ ነገር ምዃን
ማለት እዩ። በዚ መሠረት’ዚ
ከዓ ምስ መስፍን ሰላም
ዄንና ናይ ዓለም ሓቖፋዊ
ሰላም እምኒ መኣዝን ዄንና
ንርከብ።
ጸሎት ምስቲ
ዘለዓለማዊ ዘራኽበና ቁጽሪ
ስሊኪ እዩ። እቲ ዘለዓለማዊ
ኃይሊ ከዓ ኣብ ዓለምና
ባና ብዉሱናት ፍጡራት
ዲንቅን ተኣምራትን ኪፍጽም
ይርከብ። በዛ ንእሽቶ
ጸሎት እትብሃል ዂሉ ኪገብረልና
ዚኽእል ክንደይ ዓበይቲ
ነገራት ክንገብር ንኽእል።
ንጸሊ
፥ ዘለዓለማዊ ኣቦ፡ ኣን
ጸሎት ኣእጋረይ ክንደይ
ሳዕ ዘይተንዓንቀፈ፡ ብሁኅ
እፈልጥ ኢየ እንተኾነ
ተሪፉኒ ዘሎ ይበዝኅ፡
ስለ’ዚ ከስ ጐይታይ ካብ
ምድጋም ጸሎት ኣድኅነኒ፤
ምሳኻ ዝገብሮ ርክብ ኣደልድለለይ፤
መሣርሒ ናይቲ ዲንቂ ዝኾነ
ግብርታትካ ከዓ ግበረኒ
ስለ’ቲ ክቡር ስምካ። ኣሜን።
እዚ ብስመይ
እተሰመ ሕዝበይ “ ገጸይ’ዉን
እንተጸለየ “
፩ ዜና
፯፡፲፬
“ኅሠሥኩ ገጸከ፡
ገጸ ዚኣከ ኣኅሥሥ እግዚኦ”
- ልበይ ኣብ ክንዳኻ ኮይኑ
ንገጸይ ድለዩዎ ይ ብለኒ
ኣሎ። ኦ እግዚኣብብሔር፥
ንገጽካ እደልዮ ኣሎኹ፥
ገጽካ ኣይትሕብኣለይ
(መዝ- ፳፯ ፡ ፰-፱)
እቲ እግዚኣብሔር
ዚደልዮ ጸሎት ዳዊት ደጊመ
ቅዳሴ ሰሚዕ፡ ቤተክስትያን
ትሳሊመ፡ መቚጸርያ ገይረ
ጸሎት ንጋሆ ጸሎት ምሸት
ገይረ ንምባል እንገብሮ
ኣይኮነን። እንታይ ደኣ
“ኦጐይታይ፥ገጽካ ንምርኣይ
ሃረር እብል ኣሎኹ” እናበልካ
ታህዋኽን ተርባጽን ዘይተወሰኾ
መልሲ ካብ ኣርያም ምጽባይ
ኢዩ። ነብያትን ሓዋርያቲን
እግዚኣብሔር ገጹ ክሳብ
ዚመልሰሎም ካሻ ተኸዲኖም
ሕሙኽሽቲ ተረሽሪሾም
(ተነስኒሶም) ይጽበዩዎ
ከምዝነበሩ ካብ ቅ-መጽሓፍ
ብቕሊሉ ክንርዳእ ንኽእል።
ሙሴ፡ ኣብርሃም
ዳንኤል ዝገበርዎ ጸሎት
እንተኣስተብሃልና ናኣብነት
ብዙኅ ነገር ንመሃር።
ኣጸላልያኦም ሓደ ዝዓይነቱ
መገዲ ዝተኸተለ ኢዩ ዝነበረ።
፩-
ቅድሚ ዘኣገረ ምእንቲ
ርእሶም ዘይኮነ ምእንቲ
ካሎት ይጽልዩ ነይሮም።
ኣብ ምጨረሻ ካዓ ንርእሶም።
፪-
ትብዓት ኣብ እግዚኣብሔር
ዝነበሮም እምነት ክስዕ
ክንደይ ዓቢይ ስለዝነበረ
ኣብ እግዚኣብሔር ንምቕራብ
ኣይሓፍሩን ነበሩ
፫-
መጐተ፡ ንእግዚኣብሔር
ይሙግትዎ ነይሮም። ከምዚ
እንዲኻ ኢልካ በል ከምቃልካ
ፈጽመልና እናበሉ ንእፍዚኣብሔር
ኣጽቢቦም ይኅዝዎ ነይሮም
(ኢሳ- ፩-፲፰)።
፬-
ራብዓይ ከኣ ኪጽልዩ ከለዉ
ብዛዕባ ሓደ ፍሉጥ ኲነት
ይጽልዩ ኣይነበሩን፡ ብዛዕባ
ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ነገር
ኲሉ ይጽልዩ ኣይነበሩን።
ብዛዕባ እንታይ ከምዚጽልዩ
ይፈልጡ ኢዮም። ምስ እግዚኣብሔር
ከዓ ብዛዕቡኡ ይማጎቱ።
ንጸሊ፥
ኦኣቦ መንፈስ እንተዘያምሂሩኒ
ከምዚግባእ ክዝሊ ኣይክእልን
ኢየ’ሞ፡ እንታይ ኢለ ክጽሊ
ከምዘሎኒ ኣተንፍሰለይ፡
ከም ፍቓድካ ምእንቲ ቅዱሳን
ኲሎም ንኽጽሊ ከዓ ንመንፈስካ
ኣባይ ኣኅድሮ። ብዘልዓለማዊ
ኃይሊኻ ከዓ መልሰለይ
ስለ ስም ወድኻ ኢየሱስ
ክርስቶስ። ኣሜን።
ብዛዕባ
ጸሎት ምጽናዕ ጀሚርካ
ምቸስ ኣብ ብሉይ ኪዳን
ተወሲንካ ምትራፍ ዘይከኣል
እዩ፥ ስለ’ዚ ጐ-ኢ-ክ ብዛዕባ
ጸሎት ዘለዎ ርእይቶ ክንሪ
ኢና፥
ኣባይ
ንበሩ (ዮሓ- ፲፭)
ኣባይ እንተጸናዕኩም
ቃለይ’ውን ኣባታትኩም
ኃደረ እትደልዩዎ ዘበለ
ኲሉ ትልምኑ እሞ ይኾነልኩም
(ዮሓ- ፲፭፡፯)። ከምቲ ጨንፈር
ኣብ ገረብ ንሕና ከዓ ኣብ
ክርስቶስ ክንነብር ኣሎና፥ሽዑ
ብዙኅ ፍረ ንፈሪ ሰማያዊ
ኣቦና ከዓ ይኸብር። እዚ
ጥራሕ ኣይኮነን ቃሉ ካዓ
ኣባና ኪኀድር ኣለዎ።
ሓሳብና ቃልና ሥራሕና
ኲሉ ኣብ ቃሉ ዝተመሥረተ
ኪኸዉን የድልዮ። ኣብ
ክርስቶስ ጸኒዕና ቃሉ
ኣባና ኣኅዲርና ከስ ክንጽሊ
የድሊ ሽዑ እግዚኣብሔር
ስለስሙ ጸሎትና ኪምልሰልና
እዩ።
ብጐ-ኢ-ክ
ስም
እዚ ከምቲ ብሁኃት
ሰባት ዚገብርዎ ንእትገብሮ
ጸሎት “ብጐ-ኢ-ክ ስም” ኢልካ
ምዉድዳእ ጥራሕ ኣይኮነን
ዜስምዕ፥ እንታይ ደኣ
ከም ፍቓዱን ከም መደቡን
ብስሚዒት ክርስቶስ ምጽላይ
ኢዩ ዘስምዕ። “ስም” ብናይ
ቅ-መጽሓፍ ኣዘረርባ ኩነት
ኣካል ማለት ኲለንትና
እዩ ዘስምዕ።
ብስም
ኢየሱስ ጸሊኻ ምኽኣል፡
ኣብኡ ምንባር፡ ምሱ ምኅባር፡
ንኣኡ ምፍላጥ፡ ካብዚ
ዝተላዕለ ከዓ ንመደቡን
ንድላይ እህዚኣብሔር ኣዚኻ
ምፍላጥ የመልክት።
ንጸሊ፥
ኦኣቦ ብዙኅ ጊዜ ኣባኻ
ወይ ኣብ ወድካ ከይነበርኩ
ንጊዜኣዊ ጥቕመይ ጥራሕ
ብምጥማት ከም ስምዒትካን
ከምድላይካን ስለዘይጸለኹ
ይቕረ በለለይ። ሕጂ ግን
ኣነ ናተይ ጠፊኡ ኣባኻ
ጥራሕ ሕይወት ክኅልወኒ
ብስምዒት ወድኻ እልምነካ
ኣለኹ።
ከም
ፍቓድ እግዚኣብሔር ምጽላይ።
“ከምቲ ፍቓዱ
ጌርና እንተለመንናዮ ይሰምዓና
እዩ። እቲ ኣብኡ ዘሎና
ትብዓት ድማ እዚ እዩ፥
ነቲ ዝኣመንናዮ ዘበለ
ከምዝሰምዓና ካብ ንፈልጥ
ድማ እቲ ካብኡ ዝለመናዮ
ልማኖ ድሮ ክምዝረኸብናዮ
ንፈልጥ ኢና (፩ ዮሓ - ፭፡፲፬፡፲፭)”
ጸሎት ልመና
ቕድሚ ምግባርና፥ ከምፍቓዱን
መደቡን ምኳኑ ኣቐዲምና
ከነጻሪ የድልየና። ነዚ
ክንፈልጦ ንኽእል ከዓ
ቓል እግዚኣብሔር ምንባብ
ንሕሹኽታ መንፈስ ቅዱስ
ብምስማዕ እዩ። ሓደ ኃጥያተይና
ንክምለስ ኪጽሊይ ፍቓድ
ኣምላኽ ከምዝኾነ ካብ
ቅ- መጽሓፍ ግሁድ እዩ፥
በዚ መገዲ’ዚ በዚ መዓልቲ’ዚ
ኣብዚ ቦታ’ዚ ኢለ ግን ንተግባራት
እግዚኣብሔር ክዉስኖ ኣይከኣልን።
“---- ትምነዩ’ሞ
ኣይኮነልኩምን፡/… ስለዘይለመንኩም
የብልኩምን። ትልምኑ ኢኹም---
ብኽፍኣት ስለትልምኑ ኣይትቕበሉን።
ኣቱም ዘመዉቲ ፍቕሪ ዓለምሲ
ጽሊ ኣምላኽ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን
ኢኹም፡ እምበኣርከስ ፈታዉ
ዓለም ምዃን ዚደሊ ንሱ
ጸላእ ኣምላኽ ኢዩ ዚኸዉን።----
እምበኣርሲ ናኣምላኽ ተገዙዎ።
ንዲኣብሎስ ግና ተቓወምዎ፥
ንሱ ካባኻትኩም ኪሃድም
ኢዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፥
ንሱ’ውን ኪቐርበኩም እዩ፥
ኣቱም ኃጣኣን ኣእዳውክኩም
ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ
ልቢ’ዉን ልብኹም ኣንጽሑ፥
ተሽገሩን ጐሃዩን ብኸዩን።
ሰሓቕኩ ና ብኽያት፡ ሓጐስኩም’ውን
ናብ ሓዘን ይልወጥ፥ ኣብ
ቅድሚ እግዚኣብሔር ትሕት
በሉ፥ ንሱ’ውን ልዕል ኬብለኩም
ኢዩ” (ያዕ- ፬
፡ ፪-፬ ፯-፲)።
ንጸሊ፥
ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፥
ከመይ ኢለ ከምዝጽሊ ኣይፈልጥን
ኢየ’ሞ ንመንፈስካ ኣባይ
ኣኅድሮ
ንሱኡ ከዓ ብኪንገር
ዘይካኣል ኡህህታ ከም
ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ
ምእንቲ ጻድቕ ዘበለ ዂሉ
ኢጽሊ ኢዩ። ኣሜን።
ብእምነት
ምጽላይ፡
ኢየሱስ ክርስቶስ
ትእምርቱ ምግባሩ “ተኣም
ዲኻ ነዚ ክገብር ከምዝኽእል”
እናበለ ጽንዓት እምነቶም
ይሓትት፡ ንገሊኣቱ ካብ’ቲ
ዝተንህለ ብፍላይ እስከ
ንርአ፥
ኣብ
ማርቆስ ፯ ፡ ፳፬-፴ ሓንቲ
ካብ ኣሕዛብ ንጓላ ካብ
ናይ ሰይጣን ማእሰርቲ
ኪፈትሓላ ኣጽኒዓ ለመነቶ።
“ኢየሱስ ድማ እንጌራ ውሉድ
ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ
ጽቡቕ ኣይኮነን እሞ ኅደጊ፡
ቅድም እቶም ውሉድ ይጽገቡ”
በላ። ንሳ ከዓ አወ ጐይታይ
ኣኽላባት ድማ ርፍራፍ
ውሉድ ካብ ትሕቲ መኣዲ
ይበልዑ ኢዮም ኢላ መለሰትሉ።
ንሱ ድማ እምነታ፡ ትሕትናኣ፡
ቀጺላ ምጽላያ ርእዩ ንጓላ
ፈወሰላ። ናብ ቤታ ምስ
ተመልሰት እታ ኣብ ዓራት
ብጥ ኢላ ኣቲ ጋኔን ከዓ
ወጺኡላ ረከበታ።
ኣብ ማርቆስ
፱፡ ፳፩-፳፱ ሓደ ብማእሰርቲ
ሰይጣን ኣዝዩ ዝሳቐ ዝነበር
ና ኢየሱስ ምእንቲ ኪፍውሰሉ
ኣምጻኦ፡ “ትኽእል እንተኾንካ”
እናበለ ከዓ ለመኖ። “ትኽእል
ኣንተኾንካ ዲኻ ዝበልካ?”
“ንዚኣምን ኵሉ ይከኣል
ኣዩ” ኢሉ ከዓ ኢየሱስ መለሰሉ።
ሽዑ ንሽዑ ከዓ እቲ ኣቦ
ቖልዓ ዓው ኢሉ እናጨረሐ
እኣምን ንዘይምእማነይ
ደግፎ በለ፥ ኢየሱስ ከዓ
ሓደ ዓቢይ ኃይሊ ኣርኣየ።
እቲ
ኣቦ ነታ ዝላቶ ድኽምትን
ተጠራጣሪትን እምነት ኂዙ
ናብ ኢየሱስ ቀረበ፥ ነዛ
እምነት እዚኣ ከዓ ከበርትዓ
ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብኣኣ
መሠረት ግብሪ ኃይሊ ኪፍጽም
ይጽበዮ፡ ከም ትጽቢቱ
ከዓ ፈጸመሉ።
ኣብ ማርቆስ
፲፡ ፵፮-፶፪ ባርጢሜዎስ
ዚበሃል ሓደ ብህሊ ሰብ
ዘየፍርሖ ወይ ዘይኅፍሮ
ዕዉር ሰብኣይ ምስ ኢየሱስ
ክራኸብ ንርኢ። ብመገዲ
ኪኃልፍ ከሎ ኢየሱስ ናዝራዊ
ምኳኑ ምስ ፈለጠ ዓው ኢሉ
“ኢየሱስ ወዲ ዳዊት ምሓረኒ”
ኪብል ጀመረ። ብዙኃት
ድማ ሱቕ ኪብል ገንሕዎ፤
ንሱ ግና ነዚ መግናሕቶም
ምስ ቁምነገር ከይቆጸረ
“ወዲ ዳዊት ምሓረኒ” እናበለ
ኣበርቲዑ ጨረሐ። ሽዑ
ኢየሱስ ደው ኢሉ “ጸዉዕዎ”
በለ፡ ነቲ ዕዉር ከዓ ጽውዎ፡
“ኣጆኻ ተንሥእ፥ ይጽውዓካ
ኣሎ” በልዎ። ብተስፋ ተመሊኡ
ባርኖሱ ደርህዩ ናብ ኢየሱስ
መጸ።
ኢየሱስ
ድማ “ እንታይ ክገብረልካ
ትደሊ ኣሎኻ” ኢሉ ሓተቶ።
ንሱ ከዓ “ መምህር፡ ክርኢ”
በሎ። ኢየሱስ ሽዑ “ ኪድ
እምነትካ ኣሕዊያትካ”
በሎ፡ ብኡ ንብኡ ረኣየ፡
ኣብ መገዲ’ዉን ሰዐቦ።
ኣብዚ ከነስተአውዕሎ
ዝሎና ኢየሱስ ነቶም ብእምነት
ብምሉእ ልቦም ናብኡ ዚመጹ
ኵሎም የሕውዮም ከምዝነበር
እዩ። ሰብ ከይብለኒ ከይበሉ
ንዓይኒ ሰብ ከይሓፈሩ፡
ንትዕቢቶም ስዒሮም ብገርህነት፥
ብተስፋ ናብ እግሪ ክርስቶስ
ኪወድቁ ርኢና። ኣደ ብፍቕሪ
ጓላ፡ ኣቦ ብፍቕሪ ወዱ
ተላዒሉ፡ ባርጢሜዎስ ከዓ
ብርሃንክ ዓይኒን ብርሃን
መንፈስ ቅዱስን ደልዩ፥
ከም ሕፃን ኣብ እግሪ ክርስቶስ
ምስታ ከም ፍረ ኣድሪ ዝምንኣሳ
እምነቶም ኪወድቁ፥ ሓዊዮም
ከዓ ኪትንሥኡ ርኢና።
ትብዓኣትን ቖራጽነትን፡
ነቲ ዝነበረ ምኸላእታ
ብምስዓር (ናይ ክርስቶስ
ምስቃጥ፥ ዋኅዲ እምነት፡
ዓይኒ ሰብ፡ ባህሊ ሰብ)
ምስ ቀረብዎ ኢየሱስ ብምሉእ
ልቡ ትቐቢሉ ከከም ኣድላይነቱ
ነቑሳሎም ኪዘንን፡ ኬጸናንዕ፡
ኪፍውስ እነሆ ርኢና።
እምነት ምሠረት
ናይ ጸሎት ኢያ። ጸሎት
ንኸይነቛርጽ ኩሉ ጊዜ
ተላዕለና፥ ንቕድሚት እምበር
ንድኅሪት ምባል ኣይትፈልጥን
ኢያ። ትኽ ንትኽ እምበር
ነማን ጽጋም ምባል ኣይትፈልጥን
ኢያ። ገርሂ፡ ተጠራጣሪት፡
ዘይምልእቲ ዳ ትኹን እምበር፡
ጽሚ እግዚኣብሔር ዘለዋ፡
ብልቢ እትሠርሕ ሓንቲ
ሓቂ ኢያ። ብሓጺሩ ኣብነት
ክርስቶስ ንኽትክተል መንፈሳዊ
ኃይልና ኢያ።
“ድጊም ብዘይ
ኃጢኣትሲ ብኹሉ ከማና
እተፈተነ እምበር፡ ብድኻምና
ኪድንግጸልና ዘይክእል
ሊቀ ካህናት ኣይኮነን
ዘሎና፥ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ
ካብ ዝህልወና ንእምነትና
ነጽንዕ፥ ስለዚ ምሕረት
ምእንቲ ክንቅበል ብጊዜ
ጸበባን ንረዲኤትና ዚኸውን
ጸጋ ክንረክብ ብትብዓት
ናብ ዙፋን ጸጋ ንቕረብ።
ንሱ ብሕይወቱ ከሎ ብብርቱዕ
ኣውያቲን ንብዓትን ናብቲ
ካብ ኬድኅኖ ዝኽእል ጸሎትን
ምህልላን ምስ ኣቕረበ፡
ብዛዕባ ናምላኽ ምፍራሁ
ተሰምዐ (ዕብ- ፬፡ ፲፭-፲፮፥
፭፡፯)።
ንጸሊ፥
ኦኣቦ፡ ከተድኅነኒ፡ ክትፍውደኒ፡
ኢደ እግርኻ ክትገብረኒ
ከም እትኽእል ኣኣምን
ኢየ፥ ነቲ ዘይምእማነይ
ርድኣዮ፥ ከም ምሕረትካ
ደኣ’ እምበር ከም ኃጢኣተይስ
ኣይግበኣንን ኢዮ፥ እንተኾነ
ኦጐይታይ፡ እቲ ካብ መኣዲ
ዚደድቕ’ውን ይኣኽለኒ
ኢዩ እሞ፥ ኦጐይታይ ክርኢ
ንዓይነይ፥ ከስተውዕል
ንልበይ፡ ክመዝን ነእምሮይ፡
ድምጽኻ ክሰምዕ ነእዛነይ
ባአይቲ መንፈስ ቅዱስ
ቅብኣለይ። ኣሜን።
ጾምን
ጾሎትን፡
ጾምን ጽሎትን
መኽይዲ ክም ምዃነን ካብ
ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን
ንርዳእ።
ክርስቶስ’ውን
ብጊዜ ብርቱዕ ጸገም ንኸነዘውትሮ
ይምዕደና። ጳውሎስን ባርናባስን
ከማኡ’ውን እቶም ሽማግሌታት
ድኅሪ ጾምን ጽሎትን ተልእኮኦም
ኪፍጽሙ ንርእዮም (ግ - ሐ-
፲፫፡ ፪-፫ ፩፬፡ ፳፫)።
ጾም ኪኸብድ
ኣይጎን ኢዩ፥ ናብ እግዚኣብሔር
ብዝመለጸ ንኽንምለስ፥
ንጸሎትና ከዓ ጻዕቂ ዚውስኸሉ
መንፈሳዊ ኃይሊ ኢዩ።
ንጸሊ፥
ኦጐይታይ፥ ናብ ሸለልቲንተይ
ኣይትርአ፥ ብዛዕባ ጾም
ዘሎኒ ጊጉይ ኣተሓሳስባ’ውን
ኣይትመልከት፥
ናይ ሕጂ ጽቡቕ ድላየይ
ትቐበል፥ ጸሎትን ጾምን
ኣዛሚደ ንክኽእል ከዓ
ብኃይሊ መስቀልካን ትንሣኣኤኻን
ደግፈኒ። ኣሜን።
እዚ ብስመይ
እተሰመ ሕዝበይ - - - “ ካብ
ክፉእ መገዱ እንተተመልሰ
“
(፪ ዜና
፯ ፡ ፲፬)
እቲ ብስም እግዚኣብሔር
ዚስመ ሕዝቢ ክፋእ መገዲ
ይኽተል’ዩ ኢልካ ምእማን
ኣዝዩ ብርቱዕ ኢዩ። ምናልባት
ከምዚ ኪብል ከሎ እግዚኣብሔር
ንነኣሽቱ ንገራት፡ ንጉድልነት
ኬውስምዕ ደልዩዶ ይመስለኩም?
ኣይኮነን፥ ብኽፉእ መንዲ
ንመላለስ ኢና።
ኣብ ሓደ ዓዲ
ሓንቲ ክርስቲያን “ምቕታል’ምበር፡
ካብ ዝኾአነ ሰብኣይ ምውላድ
ኃጅጥያት ኣይኮነን” ክትብለኒ
ይዝከረኒ። ንሓድ። ንሓደ
ኃጢኣት ምስ ደባገምካዮ
ኃጢኣት ኮይኑ ኣይስመዓካን፥
ጽቡቕ ኢየ ኢልካ’ውን ትኽተሎ፡
ከምዚ ዝረአናዮ። ግደፍ
ንዚብለና ከዓ “እንተጐዳእኩ
ንርእሰይ እምበር፡ ዝጐድኦ
ሰብ የብለይን” እናበልና
ንርእስና ነመጻድቕ። ስም
ሰብ ምጽላም ክፉእ መገዲ
ኢዩ፥ ምጥቃን፥ ምፍራድ፥
ምብዳል፥ ምንቃፍ፥ ምድፋር፥
ኩሉ’ዚ ክፉእ መገዲ ኢዩ፥
ንዘለዓለማዊ ነገር ረሲዕና”
ብጊዜያዊ ነገር ማሃነንታ
ከነጥፍእ ከሎና ክፉእ
መገዲ ኢዩ። ኣብ ናይ ኃጢኣት
ምክንያት ብድላይና ክንርከብን
ክንማላለስን ከሎና ክፉእ
መገዲ ኢዩ፥ ካብ ፈተና
ዝይምርሓቕ፡ ኣብ ጸሎት
ሸለል ምባል፥ ኣብ ንባብ
ቃል እግዚብሔር ምህካይ
ኵሉ’ዚ ክፉእ መገዲ እምበር
ጽቡቕ ኣይክኮነን።
ስለ’ዚ ኣኅዋተይ
ንዑ ደኣ ንመለስ። “ተመለሱ”
(ሕዝ- ፲፰ ፡ ፴ ሰ) ከምዝበሎ
ንመለስ፡ ብዙኅ ኣሎ ክንገድፎ
ዚግባኣና። ንፈልጦ ከዓ
ኢና። እመበኣር ብሓቂ
ምስ እግዚኣብሔር እንተዳ
ክንዕረቕ ዄንና ሕጂ ናም
ኣምላኽና ንመለስ። “ሓባእቅቁስሉ
ሓባእ ፈውሱ” ከምዚበሃል፥
ምሽፋን ኣይጠቕመናን እዩ።
“ኃጢኣተየኒ ነገርኩ ወኣበሳየነ
ኢኅባእኩ ፥ ወእቤ ኣስተዋዲ
ርእስየ በእንተ
ኃጢኣትየ”፥ ኃጢኣተይ
ነገርኩ፡ ኣበሳይ’ውን
ኣይኀባእኩን፥ ብኃጢኣተይ
ምኽኒኣት ክዓ ንርእሰይ
ኣሕሊፈ ክህብ እየ” (መዝ-
፴፪፡፭) ከምዝብሎ፡ ኣብ
ቕድሚ ኣምላኽ ንጺህና
ምእንቲ ክንርከብ ብኑዛዜ
ንተሓጸብ። ዳዊት ቀጺሉ
ንኃጢኣተይ ምስ ኃባእኩ
ብብኽያት ጥራሕ ሰውነተይ
ከም በረድ ሓቐቐ፥ ኃይለይ
ከምብፀሓይ ሓጋይ ነቐጸ፥
ከመይ ኢድካ ኣብ ልዕለይ
ኣዚያ ከባድ ነበረት ይብል።
ቀጺሉ ከዓ “ ንእግዚኣብሔር
ኃጢኣተይ ክናዘዝ እየ
በልኩ፥ ንስኻ’ውን እከይ
ኃጢኣተይ ይቕረ በልካለይ”
(ቑ- ፭) እናበል ንዝመሓሮ
ጎይታ ይመስግን። ቐጺሉ
ከዓ ብምሕረት ኣምላኽ
ይድነቕ፥ “ ኣበሳኡ እተኃደገሉ
፥ ኃጢኣቱ እተሰወረሉ
ሰብ ብፁእ እዩ፥ እግዚኣብሔር
በደሉ ዘይጸብጸበሉ፥ ኣብ
መንፈሱ’ውን ልግሚ ዘይብሉ
ሰብ ብፁእ እዩ”።
እነሆ እምበርከስ
ኃጢኣትካ ምኅባእ ሲቓይ
ኣስዒቡ ከዓ ሞት፥ ብኃጢኣትካ
ምኅዛን፡ ምጥዓስ፡ ቀጺልካ
ከዓ ምምላስ ግን፡ ክሳብ
ክንደይ ብፁዕነት ማለት
ሓጎስ ከምዝኾነ ርኢና።
እሞኸ?
ንጸሊ፥
ኦኣቦ፡ ከም ምሕረትካ
ደኣምበር ከም ኃጢኣተይስ
ኣይትካአይደኒ፡ ንስኻ
ንኃጢኣት እንተተቖጻጹርካ
ደኣ ኣብ ቅድሜኻ መን ደው
ኪብል? ሕጂ’ውን ኦኣቦ፡
ከም ቃልካ ንኃጢኣተይ
ካባይ ኣርሕቕ፤ ኦኣምላኸይ፡
ከም ሳህልኻ ምሓረኒ፡
መምቲ ዓቢይ ርኅራኄኻ
ኣበሳይ ደምስስ፡ ካብ
ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፡
ካብ ፤ኃጢኣተይ’ውን ኣጽርየኒ….
(መዝ- ፶፩)። ኣሜን።
ዝተቓነዐ
ርክብ ምፍጣር
“እቲ ናቦኡ ዜኽብር
ብደቁ ኪሑገስ ኢዩ፥ ኣብ
ዝጸለየላ መዓልቲ ከዓ
ኪስማዕ ኢዩ”
(ሲራክ
፫፡፭) ይብል።
ቅ-ጴጥሮስ ከዓ
“ ኣቱም ሰብኡት፥ ጸሎትኩም
ማንቲ ከይዕገት ከም ምስድኽክምቲ
ፍጥረት ከም መዋረትኹም
ንጸጋ ሕይወት ኬርኩም
እናኽበርኩምወን ከማኡ
ምስ ኣንስትኹም ንበሩ”
(፩
ጴጥ- ፫፡፯) ይብለና።
ክርስቶስ ከዓ
ብወገኑ “እምበኣርከስ
መባእካ ኣብ ምሥውኢ እንተኣምጻእካ፡
ኃውኻ ኃዚኑልካ ከምዘሎ
ከዓ እንተተዘከረካ፡ ነቲ
ምባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ
መሥውኢ ኅደጎ፥ ኪድ ቅድም
ምስ ኃውኻ ተዓረቕ፥ ደኃር
ተመሊስካ መባእ ኣቕርብ
(ማቴ- ፭ ፳፫) እናበለ ጽኑዕ
ትእዛዝ የመኃልፈልና ኣሎ።
ምስ እግዚኣብሔር
ሓቀይና ዕርቂ፡ ርክብ
ንኺህልወና፡ እንገብሮ
ጸሎት ድዓ ፍረ እንተድኣ
ኪህልዎ ኰይኑ፡ ምስ ምናብርትና
ማለት ምስ ኣኅዋትና ሰላም
ኪህልወና የድሊ።
ኣብ ገዛና ኮነ
ብኃላፍነት ኣብ ዝተቐመጥናሉ
ሥፍራ፡ ቅንዕና ዘለዎ
ኣከያይዳ ኪህሉወና የድሊ።
እግዚኣብሔር ልብን ኩሊትን
ዚኢምርምር ኣምላኽ ስለዝኾነ
ኃባቢእካ ዚኸውን ከቶ
የልቦን። ኢስያስ ፶፰
፡ ፩-፲፩ ብኣስተንትኖ
ኣንብብ።
ንጸሊ፥
ኦኣቦ፡ ብርሃንና ከም
ወጋሕታ ኪወጽእ ምሕዋይና
ከዓ ቀልጢፉ ኪበቚል፡
ፅድቅና ቀቅድሜና ኪኸትድ፡
ክብርኻ ክዓ ኦእግዚኣብሔር
ደጀንና ኪኸውንሲ፥ ንማእሰር
እከይ እንፈትሓሉ፡ ባርነት
ኣርዑትእንሰብረሉ፥ ንጥቑዓት
ሓራ እነውጽኣሉ፥ ንእንጌራና
ምስ ጥሙይ እንማቐለሉ፡
ንእተሰዱ ድኻታት ኣብ
ቤትና እነእትወሉ፥ ዕሩቕ
እንኸድነሉ ኃይሊን ትብዓትን
ከተዕጥቐና ብስም ጎ-ኢ-ክ
ንልምነካ ኣሎና። ኣሜን።
ሽዑ ኣነ
ካብ ሰማይ ክሰምዕ ኢየ፥
ኃጢኣቶም ከዓ ይቕረ ክብለሎም
ኢየ፥
ምድሮም’ ውን ክፍውሰሎም
ኢየ።
ንሕና እቶም
ብስም እግዚኣብሔር እተሰመና
ህዝቡ ትሕት ምስ እንብል፥
ምስ እንጽሊ፥ ገጽ እግዚኣብሔር’ውን
ምስ እንደሊ፥ ካብ ክፉእ
መገድና ከዓ ምስ እንምለስ፥
ሽዑ እግዚኣብሔር ባዕሉ
ይዛረብ ኣሎ፤
፩- ክሰምዕ ኢየ-----
፪- ይቕረ ክብል ኢየ-----፫-
ክፍውስ ኢየ።
እዚ ተስፋ’ዚ
ንዓይን ንዓኻትኩምን ኢዩ።
ዝኸበርካ ኃወይ፥ ኃብተይ፥
እነሆ እግዚኣብሔር ኃጢኣትካ
ክኃድገልካ ኤየ፡ ክፍውሰካ
ኢየ፡ ጸሎትካ ክዓ ከሥምረልካ
ኢየ ይብለና ኣሎ። ሃየ
እምበኣር ብኹለንተናና
ኣብዚ ተስፋ’ዚ ንውደቕ፡
“ድጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል
ምእንቲ ኬብልለኩም፥ ኣብ
ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ
ኣምላኽ ትሕት ብሉ፥ ንሱ
ይኃይለኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ
(፩ ጴጥ- ፭፡ ፮-፯)።
እግዚኣብሔር
ካብ ዘይድግፎ ኣተሓሳስባ፡
ኣዘራርባ፡ ከማኡን’ውን
ኣገባብ ርሒቕካ ትስፋ
እግዚኣብሔር ኣባኻ፡ ኣብ
ማኅበርካ፥ ኣብ ቤተሰብካ፥
ኣብ ቁምስናኻ፥ ኣብ ቤተክርስቲኣንካ
ኪፍጸም ተጸበዮ። “ብእግዚኣብሔር
ተሕጐስ፡ ልብኻ ዚደልዮ
ኲሉ ባዕሉ ኪህበካ ኢዩ፥
መገድኻ ንእግዚኣብሔር
ኣማዕቁብ፡ ኣብኡ ተወከል፡
ንሱ’ውን ኬስልጠልካ ኢዩ፥
ንሱ ንጽድቅኻ ከም ብርሃን፡
ንፍርድኻ’ውን ከም ፀሓይ
ቀትሪ ኬውጽእ ኢዩ፥ ስሊዚ
ክቡር ኃወይ ከማኡ’ውን
ኃብተይ፥ ንእግዚኣብሔር
ብህድኣት ንጸበዮ (መዝ-
፴፯፡ ፬-፯)። እቲ ተስፋ
“ንምዱብ ጊዜ ኢዩ፥ ናብ
ምወዳእታ ኣቢሉ ትቕልትፍ
ኣሎ፡ ኣይሕሱን ከዓ ኢዩ።
ብርግጽ ኪመጽእ፡ ኣይኪዱንግን
ከዓ ኢዩ፥ እንተ እኳ ተጸበዩ
(ዕንባ- ፪፡ ፪-፫)።
ንጸሊ፥
ኦኣቦ፡ እነሆ ንዚ ተስፋኻ
ጥራሕ ብምስምዐይ ልበይ
ብታሕጓ ይሰራሰር ኣሎ፥
ከም ቃልካ መሠረት ከዓ
እነሆ ምስ ዳዊት ኮይነ
“ብኣኻ ኣምላኸይ እትስፎ
ኣሎኹ፥ መርቲዐን ልበይ
ቀጥ ኣቢለን ከዓ ነቲ ኣጆኻ
ዚብለኒ ዘሎ ቃልካ እቕበል
ኣሎኹ፥ እወ እግዚኣብሔር
ኣምላኸይ፡ ተስፋይ ኣባኻ
ኢዩ። ኣሜን።