ክጽሊ ኸሎ ተለወጠ
ኣብ
ዳኒኤል 10፡ 12 “ዳንኤለየ!
ካብታ ልብኻ ናብ ምስትውዓል
ዘቕናዕካላ ርእስኻውን
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካ ዘትሓትካላ
ቀዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረን፡
ቃላትካ ተሰሚዔን እየን
እሞ ኣይትሸበር” ዚብል
ነንብብ፡፡ እግዚኣብሔር
ይመስገን፡ ዳንኤል “እግዚኣብሔር
ደንጉይኒ ዕስራን ሓደን
መዓልቲ ኣጸብዩኒ” ኣብ
ምባል ኣብ ዝቐረበሉ ጊዜ፡
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ
ከም ዝሰምዖ ገለጸሉ፡፡
ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮውን፡
ኢየሱስ ገና ኪጺሊ ምስ
ጀመረ እዩ ዝተለወጠ፡፡
ኣብዚ ክልተ ነገር ተማሂረ፡፡
መጀመርታ፡ እግዚእብሔር
ንጸሎትና ቀልጢፉ ከም
ዚሰምዖ፡ ካልኣይ እግዚኣብሔር
ኣብ ጊዜ ጸሎት ከም ዝልውጠና፡፡
ንኢየሱስ ንጸሎት ኣብ
ሓደ ምዕራፍ ክሳብ ዜብጺሖ
ኣይተጸበዮን፡፡ እኒ ጴጥሮስ
“ኣሜን” ክሳብ ዚብሉ
ኣይተጸበዮምን፡፡ ኣብቲ
ጽሑፍ ከም ዘንበብናዮ፡
ገና ኪጽሊ ከሎ ትርኢቱ
ተለወጠ ብርሃን ለበሰ፡
ሙሴን ኢልያስን ኣብ ጸሎት
ኪሳተፉ ካብ ሰማይ ኣብቲ
እምባ ወረዱ፡ ኣብቲ ምግላጾም
ግርማ ዓሲልዎም ነበረ፡፡
እግዚኣብሔር ኣቦ “ነዚ
ጸሎትዚ ተቐቢለዮ ኣሎኹ
ኪብል ብኣካል ደመና ለብሱ
ነቲ እንባ ኣጎልበቦ፡፡
ብኸቢድ ነጎዳ ኸኣ ትዛረቦም፡፡
ሙሴ ኦሪት እናጠቐሰ፡
ኤልያስ ነብያት እናጠቐሰ፡
ብዛዕባቲ ኢየሱስ ኣብ
ኢየሩሳሌም ኪቕበሎ ዘለዎ
ሕማማትን ሞትን፡ ኪትንሥእ
ከም ዘለዎን ዘርዚሮም
መልእኽቲ ኣመኅላለፉ፡፡
ኣብቲ ጥቓ ምዕጻው ኻኣ
እግዚኣብሔር ኣብ “ እቲ
ዝኅሬክዎ ወደይ እዚ ኢየሱስ
እዩ፡ ንዑኡ ስምዕዎ”
ዚብል ኣርእስቲ ኣልዕሉ
ምወዳድርቲ ዘይብሉ ትምህርቲ
ሃበ፡፡
እዚ ኹሉ ምስ ኮነ፡ ብዓል ጴጥሮስ ወንኦም ጠፊእዎም፡ ኅሊናኦም ተሰቒሉ ብሰማያዊ ኃይሊ ተሰኒፎም ደቀሱ፡ ኣህተፍተፉ፡ ንሰውነቶም ምቁጽጻር ሰኣኑ፡፡ ሥጋ ድኣ እዩ ምኽኣል ኣብዩ እምበር መንፈሶም ንቑሕ እዩ ዝነበረ፡፡ ኢቲ ጽሑፍ፡ ግርማ ኢየሱስ ከም ዝርኣዩ ክልተ ሰባት መጺኦም የዘራርብዎ ከም ዝነበሩ ከም ዘስተውዓሉ፡ ጴጥሮስ ኒቲ ነገር ብምግንዛብ “ ኣብዚ ምንባር ይሕሸና” ከም ዝበለ ይነግረና፡፡ ናይ ትኻስ ድቃስ እንተ ዝኸውን ነዚ ኩሉ ብቚዓት ክይኖም ኣይምተረኽቡን፡፡ እዚ ኩሉ በረኸት ኣብ ቦታ ጸሎት ኢና ንረኽቦ፤ ግላዊ ኮነ ምኅበራዊ፡፡ ስለዚ ቦታኻ ኣይትኅደግ (መክብብ 10፡ 4)፡፡ ከምኡውን “ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር ገሊኣቶም ልማድ ከም ዝገብርዎ ጉባኤ ጸሎትና ኣይንሕደግ” ( ዕብራውያን 10፡ 25)፡፡
ከም ጴጥሮስ
እንተ ኣህተፍተፍኩም፡
ውነኹም ጠፊኡኩም ኣብ
ምድሪ ክዕው እንተበልኩም፡
ብኅይሊ መንፈስ ቅዱስ
ትኻኢልኩም ናብ ካልእ
ዓለም እንተ ተመሰጥኩም፡
ኣይግረምኩም፡፡ ብኒ ብዓል
ጴጥሮስ ብዓል ዮሓንስ
እዩ ተጀሚሩ፡፡ ንዳንኤል፡
ንዮሓንስ፡ ኣብ ራእይ
ከም ዘጋጠሞም ነንብብ
(ዳንኤል 10፡ 9 ፤ ራእይ 1፡
17 – 18 )። ኣብቲ ኢየሱስ
ዝመራሒኡ ጸሎት፡ እዚ
ነገራትዚ ካብ ትኽስተ፡
ኣብ ጉባኤታትና ዘይክሰተሉ
ምኽንያት ኣይርኣየንን፡፡
ጴጥሮስ ጣዕምን
ጥቕምን ናይ ጸሎት ተረዲኡ
“ ኣብዚ ማለት ጸሎት እናገበርና፡
ኣብዚ ምንባር ይሕሸና”
በለ፡፡ ንሕናውን ምርጫና
ጸሎት ይኹን፡፡ ናይ ጸሎት
ሰባት ንኹን፡፡ ናይ ጸሎት
ፍሉይ ቦታ፡ ፍሉይ ግዜ
የሀልወና፡፡ ኣብቲ ዘውጻእናዮ
መደብ ከኣ እሙናት ንኹን፡፡
እዚ ዝረኣናዮ ኩሉ በረኸት
ከኣ ግደና ኪኸውን እዩ፡፡
እግዚኣብሔር ክሳብ ክንደይ
ጥዑም ምኻኑ ምስ ተገንዘብና
ኽኣ “ ኣብዚ ምንባር ይሕሸና”
ክንብል ኢና፡፡
ኢየሱስ እንታይ
ኢሉ ከም ዝጸለየ ኣብዚ
ክፍሊዚ ግልጺ ኣይኮነን፡፡
ካብ ካልእ ክፍሊ ከም እንግንዘቦ
ግና፡ ጸሎት ምስጋና ከም
ዝነበረ ምንም ኣየጠራጥርን
እዩ፡፡ ዮሓንስ 17፤ ማቴ
11፡ 25 – 26፤ ዮሓ 11፡ 41 ኣንብብ፡፡
እምበኣር ጉባኤ ጸሎታትና፡
ጉባኤ ምስጋና ይኹን፡፡
ኣብነት ናይዛ ጉባኤ ጸሎት
ንከተል፡፡ ጸሎት ዚኸፍት
ምሩጽ ሰብ ይኹን፡፡ ቃል
መልእኽቲ ዜምጽእ፡ ካብ
እግዚኣብሔር ቃል ወይ
መልእኽቲ ዝተቐበለ ይኹን፡፡
ተራ፡ መደብ፡ ጽቡቕ እዩ፡
ግና ብእኡ ኣይንተኣሰር፡፡
ግባኤ ጸሎትና መንፈስ
ቅዱስ ብነጻነት ዚመላለሰሉን
ዚሰርሓሉን ይኹን፡፡ ነብያት
ቦታ ይሃልዎም፡፡ ካብ
እግዚኣብሔር ዓበይቲ ነገራት
ንጸበ፡፡ ከም ምጠን ዕቤቱ
ኪሰርሕ ንጸበዮ፡፡ ከም
መጠን ትጽቢትና ኢና እንቕበል፡፡
ልብና ነግፈሓዮ፡፡ ንኣምላኽና
ዝሰኣኖ ነገርዶ ኣሎ እዩ፡
(ዘፍጥረት 18፡ 14)፡፡ ንኣኼባና
ካብ ኣኼባ ቀበሌ ዚፈልዮ
እዚ ዓቢይ ትጽቢት እዚ
እዩ፡፡ እግዚኣብሔር ዝቕብኦም
ሰባት እንተለዉ ነለልዮም፡
ንሥርሓዮም፡ ቅንእን ሻርነትን
ኣፈላላይ ዓሌትን ንርሕቕ፡፡
እግዚኣብሔር ጥራይ ይግዝኣና፡፡
ቤት ኣምላኽ ቅቡዓት ዜገልግሉሉ
ደኣምበር “ ኪኢላታት”
ዚዕንድሩሉ ኣይኮነን፡፡
“ ብኹሉ ኣመስግኑ፡ መንፈስ
ኣይተጥፍኡ፡ ትንቢት ኣይትንዓቑ”
(1 ተስሎንቄ 5፡ 18 – 19)
“ ኪጺሊ ኸሎ
ተለወጠ”፤ ጉባኤና ጉባኤ
ለውጢ ይኹን፡፡ መንፈስ
እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ
ሳኦል ምስ ወረደ ፡ ሳኦል
ተለወጠ፡፡ ኣምላኽ ካልእ
ልቢ ለወጠሉ፡፡ ካልእ
ሰብ ኮነ፡፡
ኪንበውን ጀመረ ( 1 ሳሙኤል
10፡ 6 – 10)፡፡ ሰብ ካብ ጉባኤታትና
ተሓዲሹ፡ ተለዊጡ፡ መንፈስ
መሊኡ፡ ተፈውሹ ምለት
ሓውዩ፡ ካብ ማእሰርቱ
ተፈቲሑ፡ ዝለመኖ ተቐቢሉ፡
“ብሓቂ ኣብዚ ጉባኤዚ
እግዚኣብሔር ኣሎ” እናበለ፡
እናተሓጎሰ፡ እናተደፋነቐ፡
“ እዚ ጸሎት እንታይ እዋኑ
ተወዲኡ” እናበለ ኪወጽእ
ኣለዎ፡፡ እንተዘይኮነ
ጸሎትና ዕላማኡ ስሒቱ
ኣሎ ማለት እዩ፡፡
እምበኣርከስ
ንኢየሱስ ዓንዲ ማእከሉ
ዝገበረ፡ ንመንፈስ ቅዱስ
ነፃ መድረኽ ዝሃበ፡ ኣምልኾኡ
ናብ እግዚኣብሔር ዘቅንዔ
ጸሎት፡ እዚ እዩ መልክዑ፡
“ ኪጺሊ ኸሎ ተለወጠ”፡፡
ለውጢ እንተ ደኣ ትደልዩ
ኰንኩም፡ ናይ ጸሎት ሰባት ኩኑ፡፡
ጴጥሮስ
“ መኣዲ ጸሎትና ኣይትዕጸዉልና”
ኢሉኳ እንተ ተዛረበ፡
ተዓጽወ ደኣ፡፡ ግና ዕላማኡ
ውቒዑ እዩ፡፡ ኢየሱስ
ምሳኹም ኣሎ፡ “ ንሱ ዝበለኩም
ግበሩ” ኢላ ማርያም ነቶም
ኣሳሰይቲ ከም ዝመዓደቶም፡
እግዚኣብሔር ኣቦ ኸኣ
ሕጂ፡ “ እቲ ዝኅሬኹዎ
ወደይ እዚ እዩ፡ ንዑኡ
ስምዕዎ” ዝብል ትእዛዝ
ኣመኅላሊፉ፡ ንደቂ ሰባት
ናይ ሕይወት መምርሒ ሀበና፡፡
“ ንሱ ንዘለዓለም ብሩኽ
ኣምላኽ፡ ልዕሊ ኩሉ እዩ”
(ሮሜ 9፡ 5)
ብክርስቶስ
ኅውኹም፡ ኣባ ተኽልዝጊ
ዕቕባጊዮርጊስ ፍረዝጊ